
ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሓረስቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ድጋፍ ገይሩ
ሓምለ 23 2017 ዓ/ም መቐለ፡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሓረስቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ገይሩ። ዕላማ እዚ ሓገዝ ፀገም ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ሓረስታይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንምንካይን መፍረያይነት ዝራእቲ ኣብ ምድንፋዕ ኣስተዋፅኦ ንምብርካትን እዩ። እቲ ሎማዓንቲ ዝተዉሃበ ድጋፍ ኣካል ማሕበረሰብ ኣገልግሎት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኾይኑ ሓረስቶት ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ብምጥቃም ምህርትን መፍረያይነት ዝራእቲ ኣብ ምዉሳኽን ናብረኦም ኣብ ምምሕያሽን ዝህልዎ ግደ ዓብዪ ምዃኑ ብምእማን እዩ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምርምርን ፈጠራን ሕርሻ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ሃፍታሙ ገ/ፃዲቅ ከምዝገለፅዎ እቲ ሎማዓንቲ ንሓረስቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝተዓደለ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ምህርቱን መፍረያይነቱን ብምርምር ዝተረጋገፀ ምሩፅ ዓሌት ኾይኑ ቁንጮ እናተብሃለ ዝፍለጥ እዩ። ሎማዓንቲ ን200 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ዋርግባ ዝተዓደለ ኾይኑ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ 2016 ዓ/ም ን250 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ዝተገበረ ድጋፍ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ከም ዝኾነ ዶ/ር ሃፍታሙ ገ/ፃዲቅ ገሊፆም።
ዲን ኮሌጅ ህፀተ ዝናብ ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ነጋሽ ኣረጋይ ከም ዝሓበርዎ እቲ ዝተዉሃበ ድጋፍ ነቲ ዘሎ ፀገም ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ሓረስቶት ዘቃልልን መፍረያይነትን ምህርትን ዝራእቲ ኣብ ምድንፋዕ ዓብዪ ጊደ ኣለዎ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ብምርምር ዝተደገፉ ቴክኖሎጂታት ናብ ሓረስቶት ብምትእትታዉ ምህርትን መፍረያይነትን ሕርሻ ክድንፍዕ ኣብ ምግባር ቀፃልነት ዘለዎ ድጋፍ ከም ዝገብር ዶ/ር ነጋሽ ኣረጋይ ሓቢሮም።
