ሓበሬታ ንተሓከምቲ ሕክምና ልዕሊ ክሳድ

ካብ ግንቦት 12 ክሳብ ሰነ 07/ 2016 ዓ.ም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ብምትሕብባር ሕክምና ልዕሊ ክሳድ (ENT) ሆስፒታልናን ጉጅለ ዓለም ለኸ መጥባሕቲ ክሊኒክ ማዮ (Mayo Clinic Global Surgery Team)ን ኣብ ጉንዲ እዝኒ ዝርከብ ሕበጥ ፅኪ እንትፍታፍ (Parotid Gland Mass) ናይ መጥባሕቲ ወፍሪ ሕክምና ስለዝካየድ ሆስፒታላት ተሓከምቲ ክትልእኹ፣ ክትፅበዩ ዝፀናሕኩም ተገልገልቲ ክትመፁን ንሓደሽቲ ድማ ብከይዲ ስግግር (ሪፈራል) ቀሪብኩም ናይዚ ሕክምና ተጠቀምቲ ክትኮኑ ሆስፒታል ዓይደር ፃውዒት የቕርብ። ነመስግን።