ብፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር  ፋና ሓጎስ ዝተመረሐ ጉጅለ ኣብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መኾኒ ዑደት ኣካይዱ ።

 ብፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ፋና ሓጎስ ዝተመረሐ ጉጅለ ኣብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መኾኒ ዑደት ኣካይዱ ።
ኣብ ዝሐለፈ ሰሙን ንሓረስቶት ራያ ዓዘቦ ሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ከም ዝተዓደለ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሕዚ ድማ ኣብ'ቲ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ዋርጉዋ ቁሸት ዓዲ መኾኒ ማእከል ምርምር ሕርሻ ዝርከብ ሰሪሕካ መርአይ ዘለዎ ኩነታት ንምርኣይ ዑደት ተካይዱ ።
ኣብቲ ቦታ ካብ ቀወምቲ ተኸሊ ከም ኣኘል፣ ማንጎ ዝበሃል ድቃል ዝሐሸ ሙርፃት ዓሌት፣ ፖፖየ፣ ኣቮካዶ ብርጭቕ ብተወሳኺ ስርናይ፣ ጣፍ፣ ዕፉን፣ ዘሓሸ ዓሌት ሽጉርትን ድንሽን ፅቡቕ ለሚዑ ከምዘሎ ንምርኣይ ተኻኢሉ። እቲ ማእከል ብተመራመርትን ብማናጅመንት ዩኒቨርሲቲ መቐለን ልዑል ክትትል ዝግበረሉ እዩ።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ዑደት ዶ/ር ፋና ሓጎስ እቲ ማእከል ምርምር ንሓረስቶት ዝሓሹ ዓሌታት ምህርቲ ብምዕዳል መነባብሮ ሓረስቶት ንምልዋጥ ክረባረቡ ከምዝግባእ ብምግላፅ ማነጅመንት ዩኒቨርሲቲ እውን ግቡእ ክትትል ከምዝገብረሉ ቃል ኣትየን።

1Mehon Cycle Research Center